Home African Development African Education Theories & Empirical Data
FundraiseScholarship Awards Links Contact Us Contact Us
  webmaster@africanidea.org    

ካልኣይ ቀብሪ ንትግራይ Second Burial for Tigray

ገላውዴዎስ ኣርኣያ ዶ/ር Ghelawdewos Araia, PhD

ነሓሰ ፰ ፳ ፩ ፫ 2013 August 14, 2021


For the uninitiated but curious observer and inquisitive mind, the phrase ‘second burial’ could give the impression that a body is exhumed and buried again, but that is not the case; second burial in the custom and tradition of Tigray pertains to the missing dead person whose corporeal entity did not enjoy proper burial; in order to honor the missing corpse or the disappeared person, thus, the people of Tigray arrange a burial ceremony, a funeral procession with all its attendant attributes to the dead as if the latter is in their midst. By doing this, morally equipped people of Tigray extend the highest esteem and respect to the dead, and by extension express their condolences to the bereaving family and extended families and console them from their sorrow and grief as well.

 

Now, I am proposing a second burial for the thousands and upon thousands of the Tigray people who were massacred in the genocide perpetrated by the so-called Ethiopian National Defense Forces (Prosperity Party forces), the Amhara Militia, and the Eritrean mercenaries. The second burial also could serve as a post-traumatic stress disorder (PTSD) therapeutic treatment for the families of the dead and for the entire people of Tigray for that matter.

 

This second burial essay is dedicated to the people of Tigray and it is written in the Tigrigna language in order to further underscore the self-determination and indomitable spirit of the people of Tigray.

ካልኣይ ቀብሪ ንትግራይ

ህዝቢ ትግራይ ዋላ’ውን ዘይሕለል ጽንዓትን ሓቦን ኣካል ስነልቦናኡ ይኹን እምበር ስጋ ዝለበሰ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ ድሕሪ’ዚ ኹሉ ተጻብኦታት፡ ቅትለታት፡ ዕንወትን ውርደትን ይስመዖ እዩ፣ ይሓዝን እዩ፣ ይጒህን የልቅስን ድማ እዩ። ነቶም በኣሽሓት ዝቍጸሩ ፈቐዶ ሽንጥሮ፡ ጎቦታት፡ ዓዲታትን ዝተቐትሉ እሞ አስከሬኖም ክርከብ ዘይከኣለ ብ ኻልኣይ ቀብሪ ንኽንዝክሮም የማሕፅን፣ 2

 

ኣነ ነዚ ናይ ካልኣይ ቀብሪ ውጥን ከም ሓሳብ የቕርቦ እምበር ክትግበር እንተደኣ ኾይኑ ግን መራሕቲ ኃይማኖትን ሽማግለ ዓድን እዮም ከአንግድዎን ክመርሕዎን ዝግባእ።

ቀደም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ነሽሓት ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ዕለታዊ መነባብርኡ ብሰላም ዝመርሓሉ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ዕድመ–ፀገብ ሰብ ኣብ መጨረሻ ዕለቱ ናይ እስትንፋስ ሕጽረት ምስ ዘጋጥሞ፡ ቤተሰብ፡ ዓፅመ–ስጋ፡ ዘመድ ኣዝማድ ንመጨረሻ ጊዜ ክሰናበትዎ ይመጹ። ደሓር ደሓር እናተረፈ መጸ እምበር ወዮ ዘልቅሳ ኣንስቲ ከበሮ ሒዘን ይመጻ’ሞ ብዓንኬል መልክዕ ዘገምታዊ ዝኾነ ናይ እግሪ ምንቅስቓስ ይገብራ፣ ብሓባራዊ መልቀስ (chorus) ድማ ንመዋቲ ይስንይኦን ይሰናበትኦን። ኣብ ርእሲ’ዚ በቲ ቀደም ቀደም ጊዜ ደቀ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ንዝሞተን ሓዘንተኛን ናይ ሓዘን መግለጺኦም ንምርኣይ ከክንዲ ኣጻብዕቲ ኢድ ዝንውሓቶም ሸፈጥ ኣብ ርእሶም ከም ንድሕሪት ተተቲዑ ዝወረደ ጸጒሪ ይኣስርዎ፣ ብኡ መልክዕ ድማ ንመዋቲ ክብሪ ይህቡ።

 

ኣብ ገለ ገሊኡ ድማ ንመዋቲ ብዝያዳ ክብሪ ንምሃብ ብምባል ናይ ቀብሪ ሥነ ሥርዓት ዘአንግዱ ሰባት ናይ መዋቲ ንብረት ከም ፈረስ፡ በቕሊ፡ ሰይፊ፡ ጉራዴ፡ ኵናት ወዘተ ሒዞም ይመጹ’ሞ ንሬሳ ንምዕጃብ ይጥቀምሎም፣ ድሕሪ ናይ ዓጀባ ስነ ሥርዓት ምድላው ሬሳ ናብ ቤተ ክርስትያን ንፍትሓት የምርሕ፣ ብድሕሪ ናይ ፍትሓት ስነ ሥርዓት ድማ ሓመድ ንኽለብስ ናብ መካነ መቓብር ይጎዓዝ፣ ኣንስቲ የልቅሳ፣ ሰብ ኩሉ የልቅስ፣ “ሓመድ ኢኻ’ሞ ናብ ሓመድ ክትምለስ ኢኻ” ብዝብል ኃይማኖታዊ እምነት ድማ ናይ መዋቲ ግብኣተ መሬት ይፍጸም።

ብድሕሪ ግብኣተ መሬት ቀበርቲ ናበየ ገዝኦም ቅድሚ ምምላሶም ናይ ሓዘንተኛ ቤተሰብ ተወከልቲ ንቐበርቲ “የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ” ይብልዎም፣ ሓዘኖም ክገልጹ ዝመጹ ቀበርቲ ድማ ንቤተሰብ መዋቲ “ንእዮብ ዝደበሰ ኣምላኽ ይደብስኩም” ይብልዎም። ኣየ ሰብኣዊ ወግዒ! ብድሕሪ’ዚ ብናይ ቀደም ልምዲ ንመዋቲ ተስካር ይግበረሉ፣ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳወሓደን እንዳተለወጠን ስለዝመጸ እምብር ነቲ መዋቲ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፡ ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ፡ ኣብ መበል ሠላሳ መዓልቲ፡ መበል ኣርበዓ መዓልቲ፡ ከምኡ’ውን ሓሓሊፉ ኣብ መበል ሰማንያ መዓልቲ ተስካር ይግበረሉ ኔሩ እዩ። ናይ ሕጂ ትውልዲ ምናልባት ኣዐርዩ ዝፈልጦ ንናይ አርበዓ ተስካር እዩ። በቲ ይኹን በቲ ተስካር ዝግበር ቃል ንቓሉ ንምዝካር እኳ እንተኾነ፡ ቀንዲ ግን ንመዋቲ ዓቢ ክብሪ ንምሃብን ህያው ምዃኑ ድማ ንምርግጋጽን እዩ።

ነዚ ኹሉ ኣዝዩ ዘሐብን ናይ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ትግራይ ናይ ርህሩህ ሰብኣውነት መግለጺ ዝኾነ ናይ መልቀስን ቀብርን ባህሊ ዘጥፍኡ ኣረመኔ ናይ ብልጽግና ሠራዊት፡ ናይ ኣምሐራ በላዕቲ ሰብ ሚሊሽያ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሻዕብያ ኣጋንንቲ ድማ ናብ መሬት ትግራይ ንጥፍኣት መጹ፣ ብዘይንሕስያ ብጅምላ ሰብ ምቕታል ጀመሩ፣ 3

 

ብዘሰቅቕ መገዲ ንደቀንስትዮ ዓመጹ፡ ደፈሩ፡ ገሃሱ፣ ኣብያተ ክርስትያናትን አድባራትን ኣፍረሱ፣ ኣብ ማርያም ፅዮንን ኣብ ማርያም ድንግላትን ንምእመናን ረሸኑ፣ ኣብ ማሕበረ ዴጎ ድማ ብተመሳሳሊ ረሺኖም ኣብ ገደል ኣጽደፍዎም። ናይዞም ኩሎም ዝተቐትሉ ተጋሩ ሬሳታቶም ንኸይልዓል ብሓለፍቲ ኣራዊት ሠራዊት ስለተኣዘዘ ድማ ቀለብ አዛብእ ኮይኖም ኣለዉ እዞም ናይ ጅምላ ቅትለት ግዳያት።

 

እዚ ኹሉ ክብሪ ዝነበሮ ትግራዋይ ብጨካናት ኣረመኔ ፋሺስታውያን ተዋረደ፣ ሓመድ ኣዳም’ኳ ከም ግብኡ ክለብስ ኣይከኣለን። ግን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብግጥሚ ዝገለፅክዎ “በይነ ትግራይ ይወርዱ ሥላሴ እምኣርያም” እዩ’ሞ ህዝቢ ትግራይ ብሳላ ጅጋኑ ደቅኻ ብናይ ትግራይ መከላኸሊ ሠራዊት ካብ ዝለዓለ ጥፍኣትን መዓትን ወጺኻ ኣለኻ’ሞ ወይ ንኹሎም ሙታን ኣብ መቐለ ወይ ድማ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ካልኣይ ቀብሪ ይገበር፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ኣረመኔ ፋሺስታውያን ግዳይ ንዝኾኑ ተጋሩ ክብሪ ንህቦም፣ ኩልና ብሓባር ድማ ንደበስ፡ ንፀናናዕ።

 

ምስጋና፦ ነዚ ናይ ካልኣይ ቀብሪ መጀመርያ ሓሳብ ንዘቕረበ ንሓው ኣቶ ስብሓት ኣርኣያ ምስጋና ይኹኖ።

ናይ ደራሲን ኣፍሪቃ ልምዓትን ትምህርትን ትካል (ኣልትት) ናይ ስነ ጽሑፍ መሰል ብሕጊ ዝተሓለወ እዩ All Rights Reserved Copyright Institute of Development and Education for Africa (IDEA) 2021